ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዘሎና ክርስቲያናት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ሃለዋት ሓድሕድና ክንፈልጥን ደሃይ ክንገብርን ኣምላኽ ዘሰከመና መንፈሳዊ ሓላፍነት ስለዝኾነ በቲ ሓደ፡ ድላይን ሃንቀውታን ኩላትና ስለዝኾነ ድማ በቲ ካልእ፡ ንሓድሕድና ክንደናገጽ፥ ነተን ዘርጋሕጋሕ ዚብላ ኣእዳውን ወለል ዝበለን ኣብራኽን ድማ ከነቕንዕ ግቡእን ግዜ ዘይህብን መለኮታዊ ተልእኾ እዩ። ስለዝኾነ ድማ መንፈሳውን ማሕበራውን ኣገልግሎት ወዲንና(Balance) ንኹሉ ኣብ ድያስፖራ ዘሎ ምእመን ምብርባርን ንጡፍ ኣገልጋልን ተገልጋልን ጌርካ ብኹሉ ዓቕሙ ከምዝሳተፍን ብኽልተ እግሩ ደው ከምዝብልን፥ ምርግጋጽ እዩ።